Tigrinya Startseite

ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ተቐባልነት ኣይረኸብኩምንሕጋውያን ተጣበቕቲ ሰብ ሞያ ሕጊ እውን የብልኩምን፧

– ንሕና ካብ መንግስቲ ነጻ ዝኾና ማሕበር ኢና።
– ኣብ ሕጋዊ ምጥባቕ መሰል ስደተኛ ብዙሕ ተመክሮ አሎና።
– ኩሉ ሰብ መሰሉ ብዑቱብ ንኽሓትት ንሕግዞ።
– ነቲ ዝተነጸገ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ካልኣይ ሪኢቶ ክንህበኩም ንኽእል።
– ነቲ ዝተዋሃበኩም ናይ ዑቕባ ውሳኔ ይግባይ ክትብሉ እንድሕር ደኣ ደሊኹም
ሕጋዊ ወኪል ተጣባቓይ/ቒት ክንረኽበልኩም ንኽእል።
– ጉዳይም ላፍት ውሲድና ብዕቱብ ብምርኣይ፣ ብዝተኻኣለና መጠን ብቑልጡፍ ናይ ዝርርብ ቆጸራ ምሳኹም ሓቢርና ንገብር።
– ኣብ እዋን ቆጸራኹም ኣስቶርጋሚ ምስ ዘድልየኩም ማዕልና ነዳልወልኩም።
– ኩሉ ንህቦ ኣገልግሎት ብብነጻ እዩ።

ኣገዳሲ: ኣገልግሎትና ንህበኩም፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ምስ ዝንጸግን ናይ ሕጊ ተጣበቕቲ
ወከልትኹም ውክልንኦም ምስ ዘውርዱን ጥራይ ኢዩ። ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ሓደ ግዜ ጥራይ ዝተነጸግኩም ዝኾነ ሓገዝ ክንልግሰልኩም ኣይንኽእልን ኢና።

ዝምላእ ፎርም ንምርካብ ኣብዚ ጠውቁ