ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ተቐባልነት ኣይረኸብኩምን፧ ሕጋውያን ተጣበቕቲ ሰብ ሞያ ሕጊ እውን የብልኩምን፧
– ንሕና ካብ መንግስቲ ነጻ ዝኾና ማሕበር ኢና።
– ኣብ ሕጋዊ ምጥባቕ መሰል ስደተኛ ብዙሕ ተመክሮ አሎና።
– ኩሉ ሰብ መሰሉ ብዑቱብ ንኽሓትት ንሕግዞ።
– ነቲ ዝተነጸገ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ካልኣይ ሪኢቶ ክንህበኩም ንኽእል።
– ነቲ ዝተዋሃበኩም ናይ ዑቕባ ውሳኔ ይግባይ ክትብሉ እንድሕር ደኣ ደሊኹም
ሕጋዊ ወኪል ተጣባቓይ/ቒት ክንረኽበልኩም ንኽእል።
– ጉዳይም ላፍት ውሲድና ብዕቱብ ብምርኣይ፣ ብዝተኻኣለና መጠን ብቑልጡፍ ናይ ዝርርብ ቆጸራ ምሳኹም ሓቢርና ንገብር።
– ኣብ እዋን ቆጸራኹም ኣስቶርጋሚ ምስ ዘድልየኩም ማዕልና ነዳልወልኩም።
– ኩሉ ንህቦ ኣገልግሎት ብብነጻ እዩ።
ኣገዳሲ: ኣገልግሎትና ንህበኩም፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ምስ ዝንጸግን ናይ ሕጊ ተጣበቕቲ
ወከልትኹም ውክልንኦም ምስ ዘውርዱን ጥራይ ኢዩ። ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ሓደ ግዜ ጥራይ ዝተነጸግኩም ዝኾነ ሓገዝ ክንልግሰልኩም ኣይንኽእልን ኢና።